ኣካላዊተራ ፕያ ንኣብ ኣስጋኢ ፋይናንስያዊ ኩነት ዝርከቡ ሰባት - ምስዳድ፡ ህድማ፡ ወረቐት ኣልቦነት
ኣኮምፓኞ - ንሕና ንሕና ኢና
ኣብ ናይ ገዛእርእስና ክሊኒክ እንሰርሕ ምኩራት ፈወስቲ/ተራፕየኛታት ኴይና ኣካላዊፍወሳ ንገብር {ልክዕ ከም ፊዝየውተራፒ—ብምሕሳይ፡ ብምጽላው፡ ብምውስዋስ፡ ውዘተ. ዚግበር ፍወሳ ናይ ዝለመሰ ኣካልን፡ ድርዛን/ማሳጅን}። ኣብ ኣካላዊ ጸገማት ምሉእ ዝኾነ ሕክምናዊ ክንክን ምስ ተወሳኺ ፍወሳ/ተራፕያ ንቕርብ። ኣብ እዋን ሽግርኩም ክሳብ መጨረሽታ ከነሳልየኩም ኢና። ብኸመይ ኣገባብ ይሰርሕ ንዑቕባ ሓተቲ፡ ንወረቐት ኣልቦ ሰባት፡ ንኣብ ኣስጋኢ ፋይናንስያዊ ኩነት ዝርከቡ ስደተኛታት ነጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንቐርብ። ኣድራሻና ኣብ www.accompagno.org ትረኽብዎ ኢኹም። ብተሌፎን፡ ብኤስ.ኤም.ኤስ፡ ብመይል፡ ምሳና ብምርኻብ ድማ ቆጸራ ኺትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብየናይ ኩነታት ኢና ከነሳልየኩም ንኽእል · ቃንዛ ኣንግደዓን ሕቆን · ርእሲሕማም፡ መርዝን · ሞያዊ መግለጺ ዘይተረኽቦ ምንጩ ዘይፍለጥ ኣብ ኩሉ ኣካላት ዝተዘርወ ቃንዛ · ቃንዛ ወይ ጸገም ምሕቓቕ መግቢ · ጭንቀት/ጽቕጠት፡ ጸገም ድቃስ · ኣካላዊ ጸቕጢ፡ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ/ውጥረት፣ ካልእውን ኣካላዊ ይኹን ስነኣእምሮኣዊ ዕግታ ወይ ክርደና። |
እንታይ ዓይነት ቀረባት’ዩ ዘለና
- ቀረንቀራዊ ተራፒ/ፍወሳ {ናይ ሽክና ርእሲ}፡ - ሺያእጥሱ {ኣብ ገለ ክፋላ ኣካላት ብኣእዳው ብትሪ ብምጽቃጥ ዝዝውተር ዓይነት ተራፒ}፡ - ፈልደንክራይስ {መትኒ መራኸቢታት ኣካልን ኣእምሮን ዳግም ናብ ንቡር ብምስራዕ ኣብ ስነኣእምሮኣዊ ኩነትካን ምንቅስቓስ ኣካላትካን ምምሕያሽ ንምምጻእ ዝዝውተር ተራፒ}፡ - ዮጋ - ፖላሪቲ {እዚ ድማ ምዕሩይ ዝኾነ ኣካላዊ ሓይሊ ኣብ ኣካላትና ክዝሮን፡ ዕቃበታት ኣማግቦን ንምምሕያሽ፡ ካልእን ዝዝውተር ዕይነት ተራፒ} ምሳና ንምርኻብ www.accompagno.org ዝብል ዌብሳይት ብምብጻሕ ዝርዝር ተራፒተኛታት ኪትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም። መይል፡ accompagno@sunrise.ch |